(EritreaAt24 Series: May 7th) Respect for National Sovereignty is a Prime Human Rights Issue (ቀዳማይ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር ልኡላውነት ሃገር እዩ)

ቀዳማይ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር ልኡላውነት ሃገር እዩ
ዮሴፍ ኣብርሃ (ሚነሶታ)

Read the pdf version
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ሕቶ ምኻባር ሰብኣዊ መሰል ክላዓል ንሰምዕ ኣለና። ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ መልክዑ ዝቕይር እምበር ዕላማኡ ሓደ ዝኾነ ጸለመ ክቐርብ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ነዚ መልክዑን ዕላማኡን ብዘየገድስ፡ መሰረት ዘይብሉን ንፖለቲካዊ ዕላማን ዝግበር ክስታት ከነቃልዖን ክንምጉቶን ዜግነታዊ ግቡእና ልኡላውነት ሃገር ማለት ልኡላዊ መሬት፡ ህዝቢ፡ መንግስትን፡ ዶብን ዘለዋ ሃገር ማለት እዩ። ምኽባር ልኡላውነት ርእሰ ኩሉ መሰላት ስለዝኾነ፡ ሓደ መንግስቲ ብዘይ ጸቕጥን ግዳማዊ ምትእትትዋትን መሬቱን ህዝቡን ዘማሓድረሉ ዝላዓለ ስልጣን ማለት እዩ። ልኡላውነት ህዝብን፡ መሬትን፡ ዶብን መንግስትን ከየውሓስካ፡ ሰብኣዊ መሰል ህዝባኻ ተረጋግጸላ ሃገር ኣለትኒ ክትብል ኣይትኽእልን። በዚ ምኽንያት፡ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር፡ ቀዳማይ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ይኸውን። ንሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቕ ዝኾነ ኣካል ብመጀመርያ ንልኡላዊ መሬትን፡ ዶብን፡ ህዝብን፡

መንግስትን ኤርትራ ክቕበልን ከኽብርን ኣለዎ።

ምኻባር ሰብኣዊ መሰል ካብ ትርጉሙ ክሳብ ትግባሬኡ ቡዙሕ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎን ከከም ናይ ሃገራት ኩነታት ዝተርጎምን ዝትግበርን እዩ። ብዙሓት ዝሰማምዕሉ መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰብ ዝባሃሉ ክጥቀስ ይካኣል እዩ። ኣበየናይ ኩነታት ኣየናይ ዓይነት መሰል ንዝብል ግን ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ መሰል ብመንጽር ድሕነትን ህላዌን ሃገር ክትርጉሞን ከተግብሮን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉን ሃገራት ዝስራሓሉ ዝነበረን ዘሎን እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ጎሲኻ፡ ንሓንቲ ሃገር ክኸበር ዘለዎ ሰብኣዊ መሰል እዚ’ዩ ኢላካ ከተገድዳ ምፍታን፡ ብጀካ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ናይታ ሃገር ሓልዮት ከምዘይብልካ ዘረጋግጽ ጭብጢ እዩ።

እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ብስም ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ኢና ባሃልቲ፡ ዝላዓል ዘሎ ክሲ ብመሰረቱ ዝንቡዕን ንቕኑዕ ትርጉም ሰብኣዊ መሰል ዘይውክልን ኣብ ርእሲ ምኻኑ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉን ዝተሰዋኣሉን ርእሰ ኩሉ መሰላቱ ዝኾነ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ዝጎሲ እዩ። ንምኽባር ልኡላውነት ሃገር ዘይጣበቕ ኣካል፡ ንሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ ኮይኑ እንተቐረበ ድማ ምስልዩነት ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ መግዛእቲ ሓያላን ሃገራትን ሞግዚተን ዝኾነት ኢትዮጵያን፡ ናጽነት ክዋሃቦ ብሰለማውን ዲፕሎማስያውን ሕጋውን መገድታት ሓቲቱ እዩ። እዚ መሰል እዚ ስለዝተንፈጎ ድማ፡ ብዘይምርጭኡ ፈደርሽን ምስ ሞግዚት ሓያላን ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ክቕበል ተገዲዱ እዩ። መሰል ምውናን ልኡላዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደርሽን ምስወደቐ፡ ብመጠኑ ናቱ ዝኾነ ኣካላት መንግስትን ሕጊ ሃገርን ክሃንጹ ጀሚሩኳ እንተነበረ፡ እቲ ፈደራላዊ ውዕል ጉልባብ እምበር ቅውም ውዕል ስለዘይነበረ፡ እተን ዝመሃዘኦ ሃገራት ብሞግዚተን ኢትዮጵያ ኣቢለን ከምዝፈርስን ሕቶ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ልኡላውነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ተጋሂሱ ክነበር ጌረን። እቲ ካብ መጀመርትኡ መሰሉ ከምዝተጋሃሰ ዝፈለጠ፡ ግንካኣ ሰማዒ ዝሳኣነ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰሉ ብብረታዊ ቃልሲ ከጭብጥ መሪር ወተሃደራዊ ቃልሲ ከካይድን ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍልን ተገዲዱ።

ኣብ ጉዕዞ ወተሃደራዊ ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳኔ ንልኡላዊት ኤርትራ ክኽበር ብተደጋዳሚ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ጻዊዒት ኣቕሪቡ እዩ። እቲ መሰሉ ብሓያላን ሃገራት ክምንዛዕ ዓገብ ዘይበለ ማሕበርሰብ ዓለም ግን ንበደል ህዝቢ ኤርትራን ዝወርዶ ዝነበር ኣሰቃቒ ግፍዕን ማዕጹኡ ክኸፍት ፍቓደኛ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ምስ መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ብሙምርካስን ንስርዓታት ኢትዮጵያ ብብረቶም ብምግጣምን ኣብ ጉንበት 24፡ 1991 ዓ.ም፡ መሰሉ ከም ህዝቢ ዘኽበረላ ዕለተ ናጹነት ጨቢጡ። በቲ ዝረኸቦ ወታሃደራዊ ዓወት ከይተመከሐ ድማ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕጊ ንምርግጋጽ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎን 99.8% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ናጻን ልኡላዊትን ሃገረ ኤርትራ ኣካል ማሕበርሰብ ዓለም ከምትኽውን ጌሩ።

እዚ ዓወት እዚ ንገለ ሓያላን ሃገራትን መሻርኽቶምን ዘይዋሓጥ ግን ድማ ከይፈተዉ ክቕበልዎ ዝነበሮም ሓቂ ምንባሩ፡ እቲ ድሒሮም ኣብ ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ክትክተሎ ዝነበራ ፖሊሲታት ዝገበርዎ ምትእትትዋትን ጸቕጥን፡ ሲዒቡ ድማ ብጉልባብ ዶብ ዘበገስዎ ወራራት ስርዓት ወያነ ጭቡጥ ምስክር እዩ። ዳግማይ ምግሃስ መሰል ልኡላውነቱ ህዝብን መግስትን ኤርትራ፡ ብመሰረቱ ካብቶም ንህላዌ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ዘይውሓጠሎም ሓይልታት ዝተበገሰ እዩ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን፡ ከም ቀደሙ ሓቂ ሒዙ ስለዝተቓለሶም ሞጊቱ ረቲዕዎም፡ ከቲቱ ድማ ስዒርዎም።

እቲ ቁኑዕ መስፈሪ ሰብኣዊ መሰል ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ እዩ። ካልእ ኩሉ ካልኣዊ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብምርዳእ፡ ልኡላዊት ሃገሩ ይሃንጽን የልምዕን ኣሎ። መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ከተማን ገጠርን ንምምሕያሽ ድማ ለይትን ቀትርን ይጽዕር ኣሎ። ናይዚ ቁኑዕ መስፈሪ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ፡ ምምሕያሽ መነበብሮ ህዝቢ ንምርግጋጽ ግን፡ መጀመርያ ልኡላዊት ሃገሩ ውሕስነታ ከረጋግጸላ ኣለዎ። ልኡላዊት ሃገር ዘይብሉ ህዝቢ ዝኾነ ዓይነት መሰል ከረጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ቅድሚ መሰል ልኡላውነት፡ ካልእ መሰል ዘቐድም ትካል ወይ ወልቀሰብ ድማ ምጉድርን ካልእ ዕላማ እዚ ካብ ኮነ እዞም ሎሚ ንኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ክኸሱን ንሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ተጣበቕቲ ኮይኖም ክቐርቡን ዝፈቱኑ ዘለዉ ምግዱራት ትካላትን ውልቀሰባትን መጀመርያ ነቲ ብስርዓት ወያነ ተጎቢጡ ዘሎ መሬት ኤርትራ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክምለስ ክጣበቑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ሓንቲ ሃገር ዝሓለፈ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳ ክለዓል ክጽውዑን፡ ነዞም ንኑጹሃት መንእሰያት ኣፍሪቃ ግዳያት ነጋዶ ደቂ ሰብ ዝገብሩ ዘለዉ ተዃሉ ናብ ሕጊ ክቕርቡን፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ቦኽሪ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክቕበሉን ክምስክሩን ቀዳመነት ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ክፈልጡ ይግባእ። ነዚ ጎሲኻ ዝላዓል ካልእ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ግን ረቂቕ ተልእኾ ምግሃስ መሰል ልኡላውነት ኤርትራ ስለዝኾነ ሕጋውን ፍትሓውን ኣይኮውንን።

ርሑስ ቅንያት ናጽነት ይግበረልና
ዮሴፍ ኣብርሃ (ሚነሶታ)

AttachmentSize
Sovereignty-Primary-HumanRights.pdf93.7 KB